Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ካብ ዲፕሎማሲያዊ ዐወት ንላዕሊ ዝዐበየ ዐወት

0 590

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ካብ ዲፕሎማሲያዊ ዐወት ንላዕሊ ዝዐበየ ዐወት

ብፍቕረሰላም

ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ እንትህሰበ ብፍላይ አብ ቀረባ እዋን አብ ዐባይ ሃገረ አሜሪካ ዝገበርዎ ዕላዊ ዑደት ተኸቲሉ ብዓለም ለኸን ብሃገር ደረጃ ዝርከቡ መራኸቢ ሐፋሽ አብዝሀብዎ ዘይተሃለለ ሐበሬታ  ምስሊ ሀገርና አብ ምህናጽ ዘበርከቶ አዎንታዊ ጽዕንቶ ቀሊል አይነበረን ፡፡ ብፍላይ ድማ ትውለደ ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ ናይ ካልኦት ሃገራት ዜጋታትን አብ ሚኒሶታ ሎስአንጅለስን ዋሽንግተን ምስ ዝነብሩ ዜገታተ ዝተገብረ ዘተ ድማ ካብዲፐሎማሲ ትሩፋቱ ንላዕሊ እታ ሃገር ከምሃገር ተረባሒት ንክትከውን ዝነበሮ ግደ ቀሊል አይኮነን ፡፡

ሃገርና ኢትዮጵያ ሕዚ ዝበጋገስ ዘሎ ናይ ሰላምን ፍቕርን ሐድነትን ህልፍ ኢሉ ድማ  ጉዕዞ አታሃሳስባ ምድማርን ፤  ቅድሚ አዋርህ ዝነበረ ኩነታት አብ ውሽጣዊ አታሃሳስባ ዜጋታት አሕዲርዎ ዝነበረ ናይ ጽልኢትን ናይ ምጥርጣር ጽልዋን  መንፈስን ፈዊሱን አግሂሉን  ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ዝነበረን  ዝኸሰረ ዕድላት ብምክሓስ ናብ እቱ ሀዚ ተታሂዙ ዘሎ መንገዲ ሰላም ብምፅነባር ሃገርና ብማህበረ ቑጠባዊ ልዕልነት አብ ቐርኒ አፍሪካ ተፈታዊትን ትንአድን ሃገር ጌርካ ምምሕያሽ እዋናዊ ዛዕባ እዩ ፡፡ ነቲ ዞባውን  ብሓድሽ ናይ ምትሕብባርን ይቕረ ምብህሃል መንፈስ ንቕድሚት ክንህር ገይርዎሎ ፡፡

ካብቱ ምክክብባርን ናይ ምድማር ፕሪንሲፐልን  ክጥቀም እነተኾይኑ እቱ ክጥቀም ዝኽእል ብአብዩ እቱ ውህሉል ህዝቢ እዩ ፡፡ ህዝቢ ካብፍቅርን ምድማርን ድአመበር ካብ ቂምን ጽለእን ከትርፎ ዝኽእል ምንም ዐይነት ትርፊ የሎን ፡፡ አብምድማር ዝተበገሰ አታሃሳሰበ አብ ሞንጎ ህዝቢ ካብዝፈጥሮ ምትእስሳርን ፍቅርን ንላዕሊ ህዝብ ከምህዝቢ ካብዝረኽቦ ቁጠባዊን ማህበረዊን ትርፊ ንላዕሊ ካልኦት ዐቤቲ ሃገራት አብ ምኽባር ሰብአዊ መሰላት ሀገርና ትኽጸሎ ዘላ ናይ ምትዕርራይ ጽገናዊ ለውጢታት ከምጉዳየን ብምውሳድ ብፍላ ከምእንግሊዝን አሜሪካን ዝአመሰላ ዐበይቲ ሃገራት ንሃገርና ብልማዕትን ብህንጸት ፍልጠትን ንክህግዛና ዘኽእል መዳይ ክፍጠር ዘኸእል ሃዋህው ናምፍጣር እድል እንዳገፈሀ ክኸይድ ከምዝኽእል ዘመላኽቱ ጉዳያት እንዳረአና ንርክብ ፡፡  

ኣብ ዉሽጢ ሓጺር ግዜ አብውሽጢ ሃገርናን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ  ዘሎ  ሰላምን ምርግጋእን ክንአድ ይግባእ ፡፡መላእ ህዝቢ ናበይኮንዩ ንኸይድ ዘለና ብዝብል አብቀራን መንገዲ ጠጠው ኢሉ ብስግአትን ብናይፍርሃት ስነልቦናዊ ቁሪ ተሸቑሪሩ ካብዝነበረሉ እዋን  ናብ ርግዐትን ምትህልላይን ክሳገር ኽኢሉ አሎ ክብሃል ከሎ ንአብነት ደቁ ናብስደት ንከይኸዱ ዝምዕድ ሰብ ክበዝህ ንርኢ አለና ፡፡ እታ ሃገር ሰላም እነተይኮይና ነምንታይ አብዚ ይነብር ዝብል ዝነበረ ሐዱሽ ወለዶውን ህቶታቱ ብህግን ብስርአትን እነተተመሊሱሉ ናብ ስደት ዝኸደሉን ናብ ዐመፅ ተዳጊኑ አብቅልውላውን ሽነፍልልን ሃለውለው ዝብለሉ ምኽንያት አይህሉን ፤ ዋጋ ሰላም ካብዚ ንላዕሊ እዩ ዝብሃለሉ ምኽነያት አውን በዚ እዩ ፡፡ በዚ አቢሉ እቱ ዝተረኸበ ሰላምን ምርግጋእን ናብ ንቡርን ዘላቒን መንገዲ ንክጽንበር ዘይህለል ጻእሪ ብምውሳኽን ናብ ዝሃሸ መነባብሮ ንምስግጋርን  ብሓባር እንተዘይሰሪሕና  ከጋጥምና ዝኽእል ጸገም ቀሊል አይኸውንን ፡፡ ብሓባር እንተድኣ ሰሪሒና ግና ጥንኩር ሃገርን ጥንኩር ቐጠና ምፍጣር ከምዝኽእለና አትሪርና ምህሳብ የድልየና ፡፡

ንአብነት ካብ ሃገር ወጻኢ ዝነብር ዘሎ ህዝብ ብዲፐሎማቲክ ጻዕሪ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ዝተረኸበ ፍቕርን ምትህስሳብን ካብኡ ተሳጊሩ ቑጠባዊ ረብሃ ሀገርና አብምስሳን ግድኡ ከምዝጻወት እቱ ህዝቢ ዝአተዎ ቓል ንግብራዊነቱ ብምትህብባር እንተሰሪህናሉ ዐወቱ ቀሊል ዐወት አይኮንን ፡፡  ህብረትና አራጉድካን አጠናኺርክን ምኻድ ግን ናትና ግደ ክኸውን ይግባእ ፡፡ እቱ አብሃገረ አሜሪካ ዝተረአየ ናይ ፍቕርን ምድማርን ሃዋህው ብመላእ ዐለም አብዝርከቡ ናይ ኢትጵያ ኢፊሲየላዊ ሚሲዮናት እውን አንዳተተግበረ ከምዝርከብ ሐበሬታታት ይስማዕ አሎ ፡፡ እነተኾነ ግና ብፍላይ እቱ ሜይንስትሪሚንግ ሚዲያ ዋላ እንኳ ከምቱ አብአሜሪካ ብዝነበረ ብርኪ  ምሽፋን አይክአል እንበር በብሚሲዮኑ ዝግበር ዘሎ ምልዕዐል እነዳተኸታተሉ ዕላዊ ምግባር ወሳናይ እዩ ፡፡ ምኽንያቱም እቱ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ናህሪ ንድህሪት ንከይምለሥ ዝሰርሁ ኃይልታት አይህልውን አይብሃልንሞ እቱ ናህሪ ሂዝዎ ዝመጸ ኢነርሻ ከይዝሃሃል አትሪርካ ምስራህ ግቡእዩ ፡፡

እቱ ሀዚ ተረኺቡ ዘሎ ስጡም ዝበሃል ዝምድናን  ሰላምን  ጥራሕ ዘይኮነስ  አብ  ዐንፈት ማሕበረቑጠባዊን ፖለቲካዉን ርግኣትን ምትሕብባርን ዝኸፍት ብምኳኑ  ህዝቢ ነዊሕ ክጥምት ኣኽኢሉዎ አሎ ። እቱ ህልሚን ውቅብ ሃሳብን ግን ክጭበጥ ናብ ዘይኽእል ፖለቲካዊ ሃዋህው እነተተሳጊሩ ዝፈጠሮ ማህበረቑጠባዊ  ቕልውላው አብልእሊ መነባብሮ ህዝቢ ይኹን አብልዕሊ ሃገራዊ ምርግጋእ ዘሕድሮ ጽልዋ ናብ ካሊእ ዘየድሊ መንገዲ ክኸይድ ህዝባዊ ክንክንን ሃለዋን የድሎ ፡፡ ናይ ህዝቢ ወሳናይ ግደ ብፍላይ አብምህናጽ ሰላምን ምርግጋዕን ስፍህ ዝበለ ምኳኑ እሙን ብምግባር ምስ ህዝቢ ሃቢርካ ምስራህ ወሳናይ እዩ ፡፡

ንአብነት  ምስ በዐል አሜሪካን እንግሊዝን ካብኡ ህልፍ ኢሉ ድማ ምስ ዐለም ለኸ ትካላት ገንዘብ ዝጀመርናዮ ዲፐሎማሲያዊን ማህበረቑጠባዊን ርክባት ብምርጓድን ብጉዳያት ሃገር ድማ ክልላት ምስ ክልላት  ጀሚረንኦ ዝነበራ ዘዕግብ ርክብ ናብ ዝሃሸ ማህበረቑጠባዊ ረብሃ ብምልዋጥ እቱ ሀዚ ተወዐዕዩ ዘሎ ናይ ለውጢ መንፈስ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ናይ ምስግጋር ህዝባዊ ሐላፊነት አለና ፡፡ እቱ ሀዚ አብ ኢድ ኢትዮጵያውያን አትዩ ዘሎ ህዝባዊ ዐወት ንከይዕንቀፍ ህዝባዊ ሃላፊነትና ንክንዋጻእ ይላቦ፡፡ ሰናይ ክራማት

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy