Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ክንርብሐሉ ዝግባእ ዐቕሊ መንግስቲ

0 422

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ክንርብሐሉ ዝግባእ ዐቕሊ መንግስቲ

ብፍቕረሰላም

አብዚ ሰሙን አብ ኢትዮጵያ ሶማሌን ከባብኡን ብሰንኪ ዝተፈጥረ  ናዕብታት ዋላ ድአ ብዕሊ ዝተረኸበ እሙን ሃበሬታ አይሃልው ድአምበር ፤ ሰባት ህይወቶም ምስአኖምን ፤ አካል ጉድኣት ዝበጽሖም ዜጋታት ምህላዎም ድማ  ይህበር ቀኒዩ ፡፡ እቱ ጉድአት ዝበጽሖም ግዳያት ብመራኸቢ ሐፋሽ አቢሎም ርኢቶ ክህቡው ይስማዕ ፡፡ እቱ ጎንጽታት ዕላዊ መበገሲኡ አይፈለጥ ድአመበር ፤ ብፍላይ አብማህበራዊ ሚዲያ ከምዝንዛሕ ዝዐይነቱ ከምዘይምኮነ ግን ክፍለጥ ይግባእ ፡፡ ኣብ ሐደሐደ ከባቢታት እታ ሃገር ዝፍጠር ዘሎ ጎንጺ  ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ይበፅሕ ከምዘሎ ግዳያት ይዛረቡ አለዉ እንዳተብሃለ ብፍላይ ብመርበብ ሐበሬታ ማህበራዊ ሚዲያ ዝጋዋሕ ዘሎ ስሑት ጸብጻብ ክእረም ይግባእ ፡፡ ስሪት እቱ ጎንጺ ብጽንዐት ተፈልዩ እስካዕ ዘይትፈልጠን ካብ መንግስቲ ዕላዊ መብርሂ እስካዕዘይተውሃበ ብበለካ ለኸዐካ ናይ ማህበራዊ ሚዲያ መሰረት ዘይብሉ ሐበሬታ ህዝባዊ ዘይምርግጋዕ ከይፍጠር ምጥንቃቕ የድሊእዩ ፡፡

ብዋናንት ድማ ብፍላይ ሐገርና ካብቱ ሀዚ ሂዛቶዘላ ናይ መንገዲ ይቕሬታን ፍቕርን ፤ ሐድነትን ብዐብዩ ድማ ጉዕዞ ምድማርን አራጉድካ ንምኻድ አብዝግበር ከይዲ እተን ጎንጽታት ከህድሮ ዝኽእላ አሉታዊ ጽልዋ ብምልላይ ዝምልከቶም  ትካላትን ህዝባዊ ማህበራትን መፍትህ ክምህዝሉ ይግባእ ፡፡ እቱ ንሙሉእ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሐድነት ዘተአኻኸበ ናይ ለውጢ መንፈስ ንቕድሚት ንክስጉም ህግን ሥርዐትን ምኽባር ከምዝግባእውን አርጊጽካ ምርዳእ ይግባእ ፡፡ ሰላምን ህጋዊ ልዕልነትን ንክዐሥል ድማ ካብ ህዝቢ ንላዕሊ ክምልከቶ  ዝኽእል ሐይሊ ከምዘይህሊ ርዱእ ብምግባር ንሰላምን ልዕልነት ህግን ንምዕሳል ብልቢ ክንሰርህ ይግባእ ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ  ክልላትን ከባቢታትን ዝተፈፀመ  ህይወት ምጥፋእ ሓዊሱ አካል ምጉዳልን ማእሰርትን ዝኣመሰሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዘርዚርካ ብምፍላጥ ፤  በቱ ግህሰት ሰብአዊ መሰላት ተዋሳእቲ ዝነበሩ ኃይልታት ብምፍላይ ብንቡር መንገዲ ናብ መንበር አባይቲ ህጊን ትካላት ፍትህን  ብምቕራብ ንጽባህ ክብሃል ዘይግብኦ ዕማም ክኸውን ይግባእ ፡፡

ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ቅትለት፡ ኣካል ምጉዳልን፤ ምቁሳልን ክበጽሕ እንከሎ፡ ናይ ውልቀ ሰባትን መንግስትን ንብረትን ካልኦት ናውቲን ክዐንው ከሎ መንግስቲ ከብዱ አስፊሁ ይርአ ድአመበር ውዒሉ ሐዲሩ እቶም ገበነኛታት ብህዝባዊ ሐበሬታ ተቃሊኦም ናብ መገባእያ ፍርዲ ቐሪቦም ህገመንግስቲ መሰረት ብገበረ ህጋዊ ውሳነ ምርካቦም አይተርፍን ፡፡ ተዘይኮነ መንግስቲ ሰላም ንክዐሥል ተባሂሉ  ብዝውዶ ዘሎ ተጸዋራይነት ተላዐዒልካ ናብ ዘይኮነ መንገዲ ምኸድ ግቡእ አይኮነን ፡፡

ሃገር ከም ሃገር ከይትረጋጋዕን  እቱ ሀዚ ብህዝባዊ ኃይልታት ለውጢ መጺኡ ዘሎ ፍቅርን ሐድነትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ንድሐር ከይምለስ ምክትታል አድላይ እዩ ፡፡ ንአብነት ብአሻሐት ዝቑጸሩ ፌክ አካውንት ተኸፊቶም እቱ ሰላምን ምርግጋእን ናብ ንቡር መንገድን ሰላማዊ  መስመር ሃዲድን ተጸንቢሩ ንቅድሚት ከይንህር ንምዕጋት ቀትርን ለይትን ዝሰርሁ ውለቀሰባት ንምዕቃብ ህዝባዊ ሥርሂት ምስራህ የድሊ ፡፡ ብፍላይ በተን ህጋዊ ትካላት መራኸቢ ሐፋሻት ሽም ተኸዊሎም ዘሕልፍዎ ዘለዉ ዜተረጋገጸ ሐበሬታ ናይተን ህጋዊ መራኸቢ ሐፋሽት  መትከልን ቅዋምን ከምዘይኮነ ብምርዳእ በብእዋኑ ናይ ምስትኽኻል ስራህቲ ብምስራህን እቱ ዝተሐላለፈ አሉታዊ መልእኽቲ ናታተን ዘይምኳኑ ብዕሊ ሐበሬታ ክህባ ይግባእ ፡፡

እተን ፌክ አካውንት ብፍላይ ካብ ቀረባ አዋን ጀሚሩ ተአማኒነት ምርካብ ዝጀመራ ሐደ ሐደ ሚዲያታትን ናይቱ  ለውጢ መስመር ተኸቲለን ዝኸዳ ዘለዋ ትካላትን ሎጎ ብጥቃም ፤ ዝምሐላለፍ ዘሎ ሸረኛ መልእኽቲን ስሁት ምስልታትን  እተን ትካላት ናታተን ዘይምኳኑ ካብመድስካል ሐሊፈን ህጋዊ ቱ ተኸፊቱ ዘሎ አካውንት ናታትን ዘይምኳኑን መስመር ህጊ ተኸቲለን  ድማ ህጋዊ ሥጉምቲ ንክውሰድ ምጽዐር የድሊ ፡፡ ተዘይኮነ ህብረተሰብና ካብ ዘለዎ ናይ ንቕሐት ብርኪ ተበጊሱ ክታለል አይክእልን ኢልካ ምዝንጋዕ ገርህነት እዩ  ፡፡

ካብዚ ሐሊፉ ድማ ከይዲ እቱ ኹነታት ብምርመራዊ መፅናዕቲ ዕላማ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ  መሰላት ብእሙን መረዳእታ ተታሒዙ፡ ክፅብፀብን ክስነድን እሞ ፍታህ ክርከቦን፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ጠጠው ክብሉን ካልኦት ሰብኣዊ መሰላት ከይፍፀሙ ንምክልኻልን ዝዓለመ ህዝባዊ ሥራህቲ ብህብረት ምስራህ የድሊ ፡፡ ብተወሳኺ፡ እቲ ፅብፃብ፡ ጉድኣት ዝበፅሖም ሰባት እኹል ካሕሳ ክረኽቡን ነዚ ዝፈፀሙ ድማ ናብ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱን ምግባር ወሳና ዕማም ክኸውን ግባእ ፡፡

ካብዚ ንነጀው ድማ እቱ ሀዚ ተጀሚሩ ዘሎ መንገዲ ሰላም ፤ ፍቅርን ሐድነትን ክቕበሎ ዘይደሊ ኃይሊ ምፍላይን መቦቀል እቱ ተቓውምኦም ድማ ካብምንታይ  ከምዝብገስ አስተውዒልካ ምጽናዕ ወሳናይ እዩ ፡፡ ካብኡ ንላእሊ ድማ ፍቅርን ሐድነትን ምድማርን ክብሃል ከሎ ዕላዊ ትረጉሙ ምፍላጥን ተንቲንካ ምቕራብን ከምዘድሊ ብግቡእ ምርዳእ ይግባእ ፡፡ ተዘይኮነ ፤ ምድማር ማለት ምጭፍላቕ ማለት እዩ ምስዝብሉ ኃይልታት ምትህውዋስን ቅልቅል ምፍጣርን እቱ ከኽፍሎ ዝኽእል ከቢድ ዋጋ ምትማን ይግባእ ፡፡ ተዘይኮነ አብ ክልል ኦሮሚያ ናይ ኦነግ ባነዲራ ሒዝካ ምንቅስቓስ ከምምንጻል ፤ አብ አዲ አምሐራን ካልኦት ከባብታትን ድማ ኮኾብ ዘይብሉ ባንዲራ ሂዝካ ምርካብ ከምምጭፍላቕ ጌረካ ብምውሳድን ፍሉይ ትረጉም ብምሃብን ናብ ከልእ መንገዲ ምንሃር አየድልን ፡፡ ሰናይ ክራማት ፤

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy