Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ዕርቅን ሰላምን ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ

0 481

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ዕርቅን ሰላምን ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ

                                              ብፍቕረሰላም

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ንሓንቲ ቤተ ክርስቲያንን ንኣመንታን ኢና ንዉክል ዝብሉ ክልተ ሲኖዶሳት ዓይኒ ንዓይኒ ከይረኣኣዩ  ከልኪልዎም ዝፀንሐ ቅርሕንቲ ተኣልዩ ሓደ ክኾኑ ድሌት ከምዘለዎ ምስ ገለጸ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ፍረ ከምዘፍረየ ተራእዩ ፡፡ ክፍፍልን ዉህደትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ሞገት ግቡእነት ኣብ ዘልዕሉ ክልተ ሲኖዶሳት ተኸፊላ ንክልተ ዓሰርታት ዓመታት ክትሕመስ ጸኒሓእያ ።

ቅድም ኢሉ  ኣብ እዋን ፓትሪያርክ  ብጹእ ኣቡነ ጳዉሎስ፣ ድሕሪ ሕልፈቶም ድማ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ብብጹእ ኣቡነ ማቲያስ ብዝምራሕ ሲኖዶስን፡ ንብጹእ ኣቡነ መርቆሪዮስ ፓትሪያርኩ ገይሩ ዝወስድ “ስደተኛ” እናተብሃለ ኣብ መንጎ ዝጽዋዕ ሲኖዶስን ዕርቀ ሳለም ንምዉራድ ብርክት ዝበሉ ፈተነታት’ኳ እንተነበሩ እቱ ዝተሃነጸ ናይ ፍልልይ አተሃሳስባ በኡ አቢሉ ንክቕፅል ኣይሰመረን።

ዜና ዕርቀ ሰላም እቶም ሲኖዶሳት  ካብ አሜሪካ ምስማዕ ምስተጀመረ ። አብ ዕርቀ ሰላም  ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ ዕርቅን ሰላምን ኣብ ምውራድ ዝነበሮ ግደ አብይ እዩ ዝብሎ ምእመናን ብታሕጓስ ክንህሩ ተራእዮም ፡፡ እዙ ሰብ ቅዱስ ሰሙን ሓቀኛ መልክዕ እየሱስ እዩ ክብሉ ዝተሰምዑውን ነይሮም ፡፡

ኣብ 1983 ዓ.ም ኢህወደግ ናብ መሪሕነት እንትመጽእ፡ ብራብዓይ ፓትሪያርክ ኣቡነ መርቆሪዮስ ሕጉስ ከምዘይነበረ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ማሕበረ ካህናት ኦሮቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝኾኑ ቀሳውስት ድምጾም ይስማዕ ነበረ ፡፡  ኣብቲ ሲኖዶስ ኣፈላላይ ክፍጠር ዝጀመረውን ብጹእ ኣቡነ መርቆርዮስ ስልጣኖም ክለቁን ብብጹእ ኣቡነ ጳዉሎስ ክትክኡን ካብ ዝግበር ኣትሒዙ’ዩ ፡፡

አብቱ እዋን  እቲ ሓድሽ መንግስቲ ዝነበሮ ፖለቲካዊ ሓይሊ ተጠቒሙ እቶም ፓትሪያርክ ካብ መንበሮም ክለግሱ ገይሩእዩ ዝብሉ ምእመናን ይሃልዉ ድአምበር  ኣብቲ እዋን ብጹእ ኣቡነ መርቆሪዮስውን ካብ መንግስቲ ንዝመጽእ ጸቕጢ እዩ ክብሉ ይስማእ ፡፡ ካብኡ ሐሊፉ ድማ አብቱ እዋን እቶም ፓትርያሪክ  ክፃወሩዎ ዘይምኽኣሎም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናቶም ካብ መንበር ምልጋስ ከም እንኮ መፍትሒ ዝረኣይዎ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት’ውን ነይሮም ። እቶም ፓትሪያርክ ምስተሰደዱ ድማ መረጻ ተኻይዱ ካልእ ፓትሪያርክ ተሸይሙ ። ገለ ጳጳሳት  ግና ነቶም ስደተኛ ፓትሪያርክ ክስዕቡ መሪጾም ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ካልእ ሲኖዶስ እንትምስርቱ፡ ካልኦቶም ድማ ኣብቲ ኣብ ዓዲ ዝተረፈ ሲኖዶስ ክቕፅሉ ወሲኖም።

 

በዚ ምኽንያት እዚ እታ ቤተክርስቲያን  ብኽልተ ሲኖዶስን ብኽልተ ፓትሪያርካትን እትምራሕ ኾይና እዚ ኸይዲ፡ ክልተ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ኣስተምህሮታት ዝጠሓሰ እነዳኾነ ቐጸለ ፡፡

ቀደሙ’ዉን “ሓደ ወላዲ ደቁ ገዲፉ ክኸይድ ኣይግባእን”፤ ቀፂሉ ድማ “ዋላኳ እዞም ኣቦ ካብ ሃገር እንተወፁ ንኦምን ንካልኦትን ካብ ስደት ንምምላስ ጻዕሪ ክግበር እናተገብኦ ካልእ ኣቦ ተሸይሙ ዝብሉ ርእየቶታት ክጋውሁ ነበሩ ። ስርዓት እታ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ኣቦ ብህይወት እናሃለወ ካልእ ምሻም ኣይፈቅድን እነዳተባሀለውን  እቱ ኹነታታት ካብ መንፈሳዊ ትህዝቶ እንዳሰገረ ፖለቲካዊ ትህዝትኦ እንዳነሀረ ንዝሀለፉ ዕሥራን ሸውዐተን ዐመታት እታ ቤተክርስቲያን አብቅልውላው ተጀቅጂቃ ነበረት ፡፡

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ሀዝ’ዉን ዓባይ ትካል እምነት እታ ሃገር’ኳ እንተኾነት ቑጽሪ ኣመንታ እናነከየ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ ዝብሉ ርዕይቶ ወሀብቲውን አለዉ ። ንመወዳእታ ግዘ ኣብ 1999 ዓ.ም ዝተኻየደ ቖጸራ ህዝብን ኣባይትን ከምዘርእዮ፡ ካብ ሓፈሻዊ ህዝቢ እታ ሃገር 43 ሚኢታዊት ተኸታሊ እቲ እምነት እንትኾን፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ 1977 ዓ.ም ዝነበራ ሃገራዊ ብጽሒት ምእመን ግና 50 ሚኢታዊት ከምዝነበረ ይግለጽሞ ከምዝ ዝዐይነቱ ከይዲ ምስቱ ናይቤተክርስቲያን ቅልውላው ክተሓሐዝ ከምዝኽእል ርእይቶ ዝህቡ አካላትውን አይጠፍኡን ፡፡

ቅድም ኢሎም ዝተኻየዱ ጻዕርታት ዕርቂ “ከይሳኽዑ ማሕለኻ ዝኾነ ናይታ ሃገር ፖለቲካ’ዩ” ዝብሉ ዘጋታት  ቑጽሮመ ውሁዳት አይኮነን ፡፡ ምኽንያት እቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ሲኖዶስ ነቲ ናይዛ ሃገር ፖለቲካ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ድማ ነቲ ናይ ደገ ፖለቲካ ስለዝድግፉን እቲ ፖለቲካ ኣብ ዘሕድረሎም ጸቕጢ ስለዝወደቑን’ዩ” ይብሃል ድአምበር ሀዚ ግን በቱ ናይ ምድማር ሞቶ  ብቀዳማይ ሚኒስተር አብይ አህመድ አቢሉ ዝመጸ መንገዲ ዕርቀ ሰላም አይኮነንዶ ንቤተክርስቲያን ንሰኪዩላር ፖለቲክስ ተኸተልቲውን ዐብይ ረብሃን አበርክቶን ሃኒጹአሎ ፡

እቲ ቤተ ክህነት ነታ ቤተ ክርስቲያን ክሽከም ዝኽእል ዓቕሚ ከሰስን ከምዝግባእ ርእይቶ ዝህቡ ሰባት አለዉ ። ሀዚ ንዘላ ኢትዮጵያን ሀዚ ንዘሎ ወለዶን ዝምጥን ክምጥን  ዝኽእል አሰራርሐ ክዝርጋህ ከምዝግብኦወን እቶም ርኢቶ ወሀብቲ ክዛረቡ ይስማዕ ። ኣብ ኣሜሪካ ኾነ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዘሎ ቤተ ክህነት ነዚ ዝምጥን ዓቕሚ ከሰስን ከምዝግብኦ አትሪሮም ይህብሩ ። ድህሪ ሀዚ እቲ ቤተ ክህነት ክዳኸም ድማ ምክፍፋል  መራሕቲ ሃይማኖትን ኣመንትን ከም ምኽንያት ክቑጸር ከምዘይግብኦ ምውሳን የድሊ ፡፡

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy