Ethiopiaprosperous
Ethiopian News Ethiopian Daily news, Regarding political and social Issues.

ንህዳሰ ሃገርና ሓድነትና ነጠናክር!

0 466

Get real time updates directly on you device, subscribe now.

ንህዳሰ ሃገርና ሓድነትና ነጠናክር!

 

ስምረት ገ/ዚጊ

 

ከም ዝፍለጥ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ዝባኖም ተዳዕኒኑ ዝነበረን፣  ዝበፅሖም ዝነበረ ብሄራዊን ደርባዊን ወፅዓ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነትን ድሕረትን ንኽነብሩ ዝዳረጎም ስርዓት   ፀራርጎም ንምጉሓፍ ዘኽእል ብቑዕ ስትራቴጂን ታክትክን ብምሕፃፅን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ሃገር ዝያዳ ሓድነቶም ብምስጣም ኣብ ሓፂር እዋን ነቲ ስርዓት ንምፍራስ  ብርቱዕ ርብርብ ድሕሪ ምግባር፣ ነቲ ናይ ዓፈና ስርዓት ንሓንሳብን ንመወዳእታን ክፅረግ ተካኢሉ’ዮ።

ኣብ ፅባሕ ውድቀት እቲ  ስርዓት ድማ ናይ ስግግር መንግስቲ ብምምስራት፣ እቲ ዝነበረ ናይ እዚ ስርዓት ኢኮኖሚ ብምፍራስ ናፃ ናይ ኢኮኖሚ ስርዓት ብምህናፅ፣ ንህልው ኩነታት ሃገርና  ሳይንሳዊ ብዝኾነ መንገዲ ብምፅናዕን ብምትንታንን ውፅኢታዊያን ሃገር ቦቐል ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ብምሕንፃፅ፣ ትሕዝቶን ባህርን እዞም ዝተሓንፀፁ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ድማ ህዝቢ በቢደረጅኡ ክመያየጠሎምን ብዕምቆት ክርድኦም ብምግባርን ንተግባራዊነቶም  ድማ ልዑል ርብርብ ክገብር ዝኽእለሉ ኩነታት ብምፍጣር ኣብ ልዕሊ ድኽነትን ድሕረትን ዝተዋደደ ወፍሪ ኣካይዶምን የካይዱ ኣለውን። ከም ውፅኢቱ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ኩሎም ዘፈራት/ማሕበራዊ፣ቁጠባዊን ፖለቲካዊን/ስሉጥን ርትዓዊን ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ተመዝግቡን ይምዝገብ ኣሎን።  

ብድምር እቲ ኢኮኖሚ  ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ብማእኸላይ ብ8 ሚኢታዊ ዝዓበየ ኮይኑ፤ድሕሪ ተሃድሶ ኣብ ዝነበሩ 15 ዓመታት ከኣ ብማእኸላይ ብ10 ሚኢታዊ ክዓቢ ክኢሉ እዩ።  ምህርቲ ሕርሻ ብኣርባዕተ ዒፅፊ ዝዓበየ እንትኸውን፣ ኢንዱስትሪ እውን ቀሊል ዘይበሃል ናይ መጠን ዕብየት ኣርኢዩ እዩ። ነዚ ኩነታት ብዝርዝር ድሕሪ ምግምጋም ከኣ ኢንዲስትሪ ብዝለዓለ ፍጥነት ዝዓብየሉ ኩነታት ንምፍጣር ኣብ ዝተመረፁ ቦታት ዝተፈላለዩ ኢንዱስትሪ ፓርክታት እንዳተሃነፁ እዮም። ስለዝኾነ እቲ ናይ ኢኮኖሚ መዋቅራዊ ለውጥ  ንምርግጋፅ ዝተተሓዘ ትልሚ ውሕስ ብዝኾነ ኣገባብ እንዳተሰላሰለ እንትኸውን፣ ኣብ ማሕበራዊ ዘፈር ዝምዝገብ ዘሎ ዕብየት እውን ኣዝዩ ልዑል ኮይኑ፣ ከም ሃገር ኣስታት ሲሶ ህዝቢ ሃገርና ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዝኣተወሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። ኣብ መዳይ ጥዕና ዝተሰላሰሉ መደባት እውን ዝነኣድ ለውጢ እናመዝገቡ እዮም።

 

ብሓፈሻ መጠን ድኽነት ሃገርና ብዝለዓለ ደረጃ እንዳቀነሰ ከምዝመፀ ይፍለጥ። ብፍላይ  ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዝነበረ 44% ህዝቢ ኣብ 2007 ናብ 22% ክወሪድ ክኢሉ’ዩ፡፡  ብሓፈሻ ህይወትን መነባብሮን ዜጋታትና ብመሰረቱ እንዳቀየረ ዝመፀ እንትኸውን፣ኣብዚ ከይዲ ከኣ ልምዓታዊን ዴሞክራሲያዊን መስመር ውፅኢታዊነቱ ብተግባር ዝተረጋገፀሉ ኩነታት’ዩ ነይሩ ምባል ይከኣል።  ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ህዝቢታት ሃገርና፣ በቶም ብመፅናዕቲን ምርምርን ዝተሓንፀፁ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን መሰረት ብምግባር መነባብረኦም ንምምዕባል ዘይተሓለለ ርብርብ እናካየዱ እንትኸውን፣ ራህዋን ቅሳነትን ዘስተማቕሩላ፣ ንድሌቶምን ትምኒቶምን እተዐግብ ምዕሪግቲን ምዕብልቲን ሃገር ንምህናፅ ኩሉ ካብኦም ዘድሊ መስዋእትነት እንዳከፈሉ’ ዮም።

 

ማዕረ ማዕረ እቲ ኣብ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ዘርፍ ዝተመዝገቡ ዓወታት፣ ኣብ መዳይ ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳርን እውን ቀለልቲ ዘይበሃሉ ለውጢታት ክምዝገቡ ኪኢሎም እዮም። ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ማዕርነትን ርትዒን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ዝተኸበረላ፣ ብዘይምንም ኣሌታዊ ፍልልይ ዴሞክራሲያዊን ሰብኣዊን መሰላት ዜጋታት ዝሰፈነላን፣እቲ ዝህነፅ ዘሎ ፌዴራላዊ ስርዓት እውን ተረባሕነት ኩሎም ብሄራት ዝተረጋገፀሉ ክኸውን ከምኡ’ውን ዘተኣማምንን ውሕስን መድበለ ፓርቲ ስርዓት  ዝተነፀፈላን ሃገር ክንውንን ኪኢልና ኣሎና። ነዞም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ጉዳያት ዝያዳ ንምዕሟቕን ንምብራኽን ዝሕግዙ ናይ ዴሞክራሲ ትካላት እውን ዝተሃነፁ ኮይኖም፤ ዘበርክትዎ ኣስተዋፅኦ እውን ብተመሳሳሊ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየን እናበረኸን ከም ዝመፀ ምርኣይ ይከኣል።


እዚ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ኩለመደያዊ ለውጢ ክምዝገብ ዝኸኣለ ድማ፣ ሃገርና ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ድልዱሉን ውሕስን ዝተመስረተ ሰላምን ቅሳነትን ክህሉ ስለዝኸኣለ ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ካብዚ ሓሊፋ ሃገርና ኢትዮጵያ ሰላምን ርግኣትን ዓለም ብፍላይ ከኣ ዞባ ቀርኒ ኣፍርካ ንምውሓስ ኣዝዩ ልዑል ዋጋ ብምኽፋል መሪሕ ተረኣ እንዳተፃወተት ትርከብ። ከም ውፅኢቱ ድማ ብተነፃፃሪ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ናብ ዝተረጋገአን  ዝሐሸን ኩነታትን እናተለወጠ ይርከብ።

ስለዚ ባህጊን ድሌትን ህዝቢታት ሃገርና እተርዊ ምዕብልቲን ምዕሪግቲን ሃገር ንምህናፅ ዝተጀመረ ፃዕሪ ’ንምዕዋት ሕዚ’ውን ከም ትማሊ ዝተዋደደ ፃዕሪን ተበግሶን ኣብ ዝጠልብ ኩነት ንርከብ።  ብምዃኑ ብግብሪ ውፅኢታዊነቱ ዝተረጋገፀ ልምዓታዊን ዴሞክራሲያዊን መስመር ብምዕታር፣ነቲ ከም ሃገር ዝተሓንፀፀ ራእይ ብዝለዓለ ኣገባብ ንምዕዋት ዘኽእል ብሄራዊ ስምዒት፣ክእለትን ፍልጠትን ብምዕጣቅ ስሉጥን ፍትሓዊን ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ንምርግጋጽ ኣብ ዝተሓንፀፁ ናይ ልምዓት  መደባት፣ ነብሲ ወከፍ ሰብ ብልዑል ድሌትን እምነትን ክረባረብ ዝኽእለሉ ኩነታት ምፍጣር የድሊ።

 

ስለዚ ነዚ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ብሄራዊ ራእይ  ብርእሰ ተአማንነትን ልዑል ተወፋይነትን ክፍፅም ዝኽእል ዜጋ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ምፍጣርን ምጉልባትን ኣዝዩ ወሳኒ ጉዳይ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን  ድኽነትን ድሕረትን እዮም ቀንዲ ፀላእቲና ብዝብል ኣተሓሳስባ፣ ነብሲ ወከፍ ዜጋ ብኒሕን ተወፋይነትን ብምርብራብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓፅር እዋን ማእኸል ኢንቨስትመንትን ዕብየትን ብምግባር ጉዕዞ ህዳሰኣ ብዘተኣማምን መንገዲ ኣብ እትሰላስለሉ ኩነታት ኢና እንርከብ።  ብተወሳኺ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ብዝተፈላለዩ ፋይናንስያውያን ትካላት ዝቐረብ ገምጋማት ወይ ትንበያታት ቁጠባዊ ዕብየት ከም ዘረጋገፀኦ ሃገርና ኣብ ሓፂር ጊዜ ካብ ዓንኬል ድኽነት እናወፀትን ኣዝዩ ስሉጥ ዕብየት ተመዝግብ ከምዘላን ዘረጋገፅዎ ጉዳይ እዩ። ልዕሊ እቲ  ብዝተፈላለዩ ወገናትን መንግሰቲ ኢትዮጵያን ዝወፁ ዘለው ኣሃዛዊ ፀብፃባት፣ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሃገርና ዝርአ ዘሎ ዓይነታዊ ለውጢ ህያው ምስክር እዩ።

 

ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ህዝቢን መንግስቲን ኢድን ጓንትን ኮይኖም ብዘካየድዎ ወፍሪን ፃዕሪን ኣብ ባይታ ብጭቡጥ ዝርአን ዝድህሰስን ድልዱል መሰረት ቁጠባዊ ልምዓት ክንሃነፅ ጀሚርና አለና። ምኽንያቱ እቲ ዝምዝገብ ዘሎ ስሉጥ ቑጠባዊ ዕብየት ፍትሓዊን  ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተረጋጊፁ እዩ ። ክንዲ ዝኾነ እቲ ዕብየት፣ ኣብ ውሱን ከባቢታት ወይ ክፋል ሕብረተሰብ ጥራሕ ዝሽፍን ዘይኮነስ፣ ብምዕሩይ ደረጃ ሰፊሕ ዝርግሐን ፍትሓዊን ብዝኾነ ኣገባብ እዩ ዝምዝገብ ዘሎ።

 

ብሓፈሻ ቁጠባዊ ዕብየት ሃገርና ኣብ ድልዱል መሰረት ዝቖመን ኣዝዩ ትስፉው መፃኢን ውሕስነትን ዘለዎ እዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ድማ፣ ብቐንዱ ሳላ ዘይሕለለል ፃዕሪን ሃርጎትኮትን ውድብን መንግስቲን ብፍላይ ከኣ ናይ’ቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕቲ ብልዑል እምነትን ተወፋይነትን ንልምዓት ዓዶም ዝሰርሑን ዝርህፁን ዘለው ፈተውቲ ስራሕን ፃዕራማትን ህዝቢታት እዛ  ሃገር እዩ ምባል ይከኣል።

 

እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ፣ ኣብ ከይዲ ድማ ነዚ ዝተጀመረ ዘህርፍ ጉዕዞ ከተዓነቑፉ ዝኽእሉ ዘጋማት እናጓነፉ ከም ዝመፁ ይፍለጥ።  ካብዚ ብምብጋስ እቲ ኣመራርሓ ናብ ዕምቆት ተሃድሶ ቖሪፁ ዝኣተወ እንትትከውን ቅድሚ ሐዚ ተዳኺሙ ዝነበረ ባህሊ ምቅልላስን መንፈስ ተጋዳላይነትን ኣብዚ መድረኽ ብዕምቆት ናይ ምህዳስ ከይዲ ዳግም ክጥጡዕን ብግልፂ ምቅላስ ምጅማሩን ከም ሓደ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ነጥቢ ክውሰድ ዝግብኦ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ብሔራዊ ውድባት እውን ኣብ መትከል ዝተሰረተ ቃልሲ ብምክያድ ብፆያዊ ርክብን ሓድነት ቃልሶምን ንምጥንኻር ዘኽእል ኩነታት ክፍጠር ጀሚሩ ኣሎ።  ዝወላዕናዮ ግንባር ተሃድሶ ሃገርና ካብ መስቀላዊ መንገዲ ንምድሓንን ንቐፃሊ ጉዕዞና ፅቡቕ ኩነታት ዝፈጥር ብምዃኑ፣ እዚ ባህሊ እዙይ ዝያዳ ተጠናኺሩ ዝኸደሉ ኩነታት ብምፍጣር፣ እቲ ዝጀመርናዮ ናይ ለውጥን ምዕባለን ጉዕዞ ብዘተኣማምን መዳይ ዝቕፅለሉ ባይታ ክንፈጥር ይግባእ።

 

Leave A Reply

Your email address will not be published.

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More

Privacy & Cookies Policy